ግዕዝይና ፀረ ምዕባለ ሃገር ስለዝኾነ ብሓባር ብምቅላስ ምክልካል ይግባእ - ኣይተ ተስፋዬ ዳባ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/18/ 2016 /ኢዜአ/ብልሹው ኣሰራርሓን ግዕዝይናን ምኽንያት መረረትን ፀረ ምዕባለ ሃገርን ስለዝኾነ ብሓባር ምቅላስ ከምዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያ ካቢኔ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተስፋዬ ዳባ ገሊፆም።

መበል 20 ዓለም ለኸ መዓልቲ ፀረ ግዕዝይና ጠሚቱ "ግዕዝይና ሓበራዊ ፀላኢና ኢዩ፤ ብሕብረት ንቃለሶ" ንዝብል መሪሕ ሓሳብ ቤት ፅሕት ቀዳማይ ሚኒስትርን ተፀዋዕቲ ትካላትን መድረኽ ምይይጥ እናካየዱ ይርከቡ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ካቢኔ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተስፋዬ ዳባ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ትገብሮ ጉዕዞ ምዕባለ ግዕዝይና ማሕለኻ እናፈጠረ ዝርከብ ዓብይ ፀገም ከምዝኸነ ፀሪሖም።

ፀገማት ብልሹው ኣሰራርሓን ግዕዝይናን ምኽንያት መረረትን ፀረ ምዕባለ ሃገርን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ልዕሊ ምዕባለ ሃገር ዕዙዝ ዕንቅፋት ዝኾነ ግዕዝይና ብሓባር ምቅላስ ይግባእ ኢሎም።

ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ብልሹው ኣሰራርሓን ግዕዝይናን ንምክልኻል እናገበሮ ካብ ዘርከብ ፃዕሪ ብተወሳኺ ሓገዝ ዜጋታት ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ኣብ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ብሄራዊ ኮሚቴ ኣጣይሹ እናሰርሀ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ዝተጠናኸሩ ስራሕቲ ከምዝውግን እውን ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም