ኢትዮጵያ ሕርሻ ማእከል ዝገበረ ልምዓት ኢንዱስትሪ ኣብ ምርግጋፅ ንዝሰርሐቶ ስራሕ ዩኒዶ ኣፍልጦ ሂቡዋ - ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/18/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ሕርሻ ማእከል ዝገበረ ልምዓት ኢንዱስትሪ ኣብ ምርግጋፅ ንዝሰርሐቶ ስራሕን ካልኦትን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስቲ ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ (ዩኒዶ) ኣፍልጦ ከምዝሃባ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (/) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ መበል 20 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስቲ ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ንምስታፍ ናብ ኦስትሪያ ቪየና ኣምሪሖም ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡

እዚ ብዝምልከትን ርክብ ኢትዮ-ኦስትሪያ ብዝምልከት ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (/) ምብርሂ ሂቦም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (/) ኣብቲ መድረኽ፤ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ቀረብ መሰረተ ልምዓትን ምምሕያሽ ናብራን ዝገብረኦ ፃዕሪ ሕፅረት ፋይናንስን ምልማዕ ኢንዱስትሪን ፀገማት ቴክኖሎጂን ፍልጠትን ኣለዉወን ዝበሉ እንትኾኑ÷ እዞም ፀገማት ዘለዉወን ሃገራት ዕድለን ጎንፂ ዝኾነሉ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ኣብሪሆም፡፡

እዞም ፀገማት ሃገራት ብዙሓት ምምሕያሻት ፖሊሲ እናገበራ ምፅነሐን ብምሕባር፤ እቲ ጉባኤ ብቐንዱ እዚኣቶምን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ቅድም ኢለን ዝኣተወኦ ቃል ኣብ ዘኽብራሉን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ካብ ፀገመን ኣብ ዝናገፋሉ ጉዳይ ዘድሀበ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ምምሕያሽ ፖሊሲ ካብ ሞንጎ ዝገበራ ሃገራት ኢትዮጵያ ተፀራሒት ከምዝኾነት ሓቢሮም ኢዮም ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኢትዮጵያ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ፀገም ስእነት ዕድል ስራሕ ንምፍታሕን ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ዝተመስረተ ኣማራፂ ቀረብ ኢነርጂ ንምምሕያሽን ሕርሻ ማእኸል ዝገበረ ዝተዋደደ ልምዓት ኢንዱስትሪ ንምርግጋፅ ልዑል ስራሕ ካብ ሞንጎ ዝሰርሓ ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ገሊፆም ኢሎም።

ነዚ ድማ ዩኒዶ ኣፍልጦ ሂቡዋ ኢዩ ዝበሉ ለገሰ ቱሉ (/)÷ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፍሉይ ጋሻ ብምዃን ተሞክሮ ኢትዮጵያን ዘቅረቡ እውን ምስዚ ተተሓሒዙ ኢዩ ኢሎም፡፡

ኣብቲ መድረኽ÷ ዝተገበሩ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ ብምትግባር ዝተረኸቡ ለውጢታት ጭቡጥ መረዳእታ ብምቕራብ ምብረሆም እውን ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ፋይናንስ ቴክኖሎጂን ስግግር ፍልጠትን ከም ዩኒዶ ዝበሉ ትካላት ሓገዞም ኣጠናኺም ንኽቕፅሉ ፃውዒት ምቕራቦም እውን ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ዝሰፍሐ ትልሚ ከምዝተለመት ብምሕባር፤ እዚ ንምዕዋት ፋይናስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ፍልጠትን ምስ ዘለወን ሃገራት ልምዲ ምውሳድ የድልያ ኢዩ ኢሎም እቶም ሚኒስትር፡፡

ነዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (/) ምስ መራሄ መንግስቲ ኦስትሪያ ካርል ኔሃመር ካብ ኦስትሪያ ልምዲ ንምውሳድ፣ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻርን ሰብ ሃፍቲ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ኣብ ዝገብሩሉ ኩነታትን ከምዝተዛተዩ ኣብሪሆም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም