ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ቼክ ሪፐብሊክ ፕራግ ኣትዮም

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/18/ 2016 /ኢዜአ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን   ቼክ ሪፐብሊክ ፕራግ ኣትዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብቲ ዓዲ ከምዝኸዱ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ኣብ መበል 20 ሓፈሻዊ ጉባኤ ትካላት ልምዓት ኢንዱስትሪ ሕቡራት መንግስታት ምስታፎም ይዝከር።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ካብ 2016 .. ጀሚሩ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምዕባይን ድኽነት ንምንካይን ብዘለና ዓቕሚ ኩሉ ሰሪሕና ኢና ኢሎም።

ብዙሓት ፈተናታት ብመፅዋር ኣብ ዕድላት ብምድሃብ ምምሕያሻት ብምትግባር ውፅኢት ምምዝጋብ ጀሚርና ኣለና እውን ክብሉ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ራእይና ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለዋ ዓምዩቕ ዓቕሚ ምልላይን ብዘለዋኣ ትካላት ከምኡውን ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰባ ምዕባለኣ ምርግጋፅን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም ኢዮም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም