ኣብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት  ካብ ንግዲ ወፃኢ መዓድን 60 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር መዓድን ኣፍሊጡ።


 

አዲስ አበባ/ሕዳር/17/2016/ኢዜአ/ ኣብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2016 . ካብ ንግዲ ወፃኢ መዓድን 60 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር መዓድን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ መዓድን ሚሊዮን ማቴዎስ  ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ካብ ንግዲ ወፃኢ መዓድን 500 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ተተሊሙ ኣብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 60 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ።

እቲ ኣታዊ ዝተረኸበ ብዋናነት ወርቂ፣ መጋየፅታትን መዓድናት ኢንዱስትሪን ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብ እንትኸውን፤ ቻይናን ሃገራት ኣውሮፓን መዓድናት ዝበፅሑለን ሃገራት ምዃነን ኣፍሊጦም።

መበል ኻልኣይ ዓለም ለኻዊ ኤክስፖ መዓድንን ቴክኖሎጂን ኣብ ሚሊንየም ኣዳራሽ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ገሊፆም፤ መፍረይቲ መዓድን፣ ለኣኽቲ፣ ተጠቀምቲ መዓድን፣ መፍረይቲ ቴክኖሎጂን መቕረብትን ተራኺቦም ፍርያቶምን ግልጋሎታቶምን እናፋለጡን ምትእስሳር ዕዳጋ እናፈጠሩን ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

 ጎናጎኒእቲ ኤክስፖ ንሎማዓንቲ ሓዊሱ ንሰለስተ መዓልትታት ኮንፈረንስ እናተኻየደ እንትኸውን፤ ኣብቲ ዘፈር ጠመተ ዝገበሩ ልዕሊ ትሽዓተ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቐሪቦም ዘተ ተገይሩሎም ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (/) "ሃፍቲ መዓድንና ንተስፋ ፅባሕና" ብዝብል ቴማ ዝተዳለወ መበል ኻልኣይ ዓለም ለኸ ኤክስፖ መዓድንን ቴክኖሎጂን ኣብ ሚሊዮን ኣዳራሽ ከምዝኸፈቱ ዝዝከር 'ዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም