ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንኹሉ ዘካትት ዘላቒ ልምዓት ኢንዱስትሪ ናይ ክብሪ ጋሻ ብምዃን መደረ ኣስሚዖምንኩሉ ዘካተት ዘላቂ ልምዓት ንክህሉ ድማ ፃውዒት አቅሪቦም


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/17/ 2016 /ኢዜአ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ መበል 20 ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ናይ ክብሪ ጋሻ ብምዃን መደረ ኣስሚዖም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (/) ኣብ ዘቕረቡዎ ቁልፊ መደረ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተገበረ ለውጢ ፖሊሲን ብዝሃ ዕቤት ኢንቨስትመንትን ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ንሓምለዋይ ልምዓትን ፍልፍል ፅሩይ መስተ ማይን ዝተውሃበ ትኹረትን ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም፡፡

ንስራሕቲ ማሕበራዊ ልምዓት ዝተገበረ ኣድህቦ ብኣፅንኦት ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ብምድራኽ ንኹሉ ዘካትት ዘላቒ ልምዓት ኢንዱስትሪ ንኽህሉ  ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (/) ፀዊዖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም