ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ዘቲዮም


ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/17/ 2016 /ኢዜአ/ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣባላት ካቢኔኦምን ብዳይሬክተር ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ስኮት ሆክላንደር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኸ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም  ተቀቢሎም ዘቲዮም።

ኣይተ ጌታቸው ዝወሃብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግቡእ ናብ ተጠቐምቲ ክበፅሕ መንግስቶም ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

እቶም ዳይሬክተር ብግደኦም፥ ተቛሪፁ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግም ንምጅማር ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቲ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብግቡእ ናብ ተረባሕቲ ክበፅሕ ደገፍ መንግስቲ ከምዘድሊ እውን ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ርእሰ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም