ብምትሕብባር ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ከተማ መቐለ ብ6 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝግበረሉ ኢንዱስትሪ መፍረዪ ሓፂነ መፂን ከምዝህነፅ ተገሊፁ።


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/17/ 2016 /ኢዜአ/ብምትሕብባር ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ከተማ መቐለ 6 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝግበረሉ ኢንዱስትሪ መፍረዪ ሓፂነ መፂን ከምዝህነፅ ተገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ዝህነፅ እቲ ኢንዱስትሪ መፍረይ ሓፂነ መፂን ነቲ መርሃ ግብሪ ምጅማር ስራሕ ተገይሩ።

ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብምትሕብባር ዝህነፅ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኢንዱስትሪ ሓፂነ መፂን ሌጀንድ ንብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ብምዃኑ ኣድላዪ ሓገዝ ክግበረሉ ኢዩ ኢሎም።

ካልኦት ብውልቀን ብማሕበር ዝተወደቡ ሰብ ሃፍቲ ነዚ ፕሮጀክት ልምዓት ብኣብነት ሲዒቦም ብምልማዕ ንባዕሎምን ን ሃገሮምን ክጠቕሙ መልእኽቲ ኣመሐሳላሊፎም።

እቲ መፍረዪ ሓፂነ መፂን 75 ሚኢታዊ ብኢትዮጵያዊ በዓል ሃፍቲ ኢንጂነር ያሬድ ተስፋይ ዝተሸፈነ እንትኸውን ዝተረፈ ካዓ 25 ሚኢታዊ ድማ ብቻይናዊ በዓል ሃፍቲ ዮን ከምዝተሸፈነ መተሓባበሪ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ሳምሶም ገብረመድህን ምግላፆም ተፈሊጡ አሎ፡፡

ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ኢንዱስትሪ ሓፂነ መፂን ሌጀንድ 6 ሺሕ ንዝኾኑ ወገናት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም