ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ንምክልኻል 50 ሚልየን ብር መዲቡ።

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/17/ 2016 /ኢዜአ/ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ንምክልኻል 50 ሚልየን ብር መዲቡ።

እቲ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝገበሮ ዘተ ኣብ ክልል ትግራይ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ብዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ምኽንያት ሰባት ይሞቱ ምህላዎም ታዓዚቡ

ነዚ ሓደጋ ንምክልኻል 50 ሚልየን ብር ዝመደበ እንትኸውን÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ክልል ትግራይ መጠባበቒ ገንዘብ ስለዘይለ እቲ ዝተመደበ ገንዘብ ካልኦት መደባት በምዕፃፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ነቲ ኩነታት ዘፅንዑ ክኢላታት ናብተን ሓያል ድርቂ ዘጋጠመን ከባቢታት ልኢኹ ከምዝነበረ ዝሓበረ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ብእዋኑ ከቕርብ ብዘይምኽኣሉ ህዝቢ ትግራይ ንከምዚ ዝበለ ሓያል ኩነታት ከምዝተቓልዐ ገሊፁ።

ማሕበረሰብ ዓለምን መንግሰቲ ኢትዮጵያን ብምኽንያት ድርቂ ኣብ ሓደጋ ንዘሎ ህዝቢ ንምድሓን ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝርከቡ ወገናት ፀገም ህዝቢ ንምቅላል ዝከኣሎም ንክገብሩ ፃውዒት ምቕራቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ዝረኸበናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም