መበል 27 ስሩዕ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ን2016 ዓ.ም ዝውዕል ልዕሊ 220 ሚሊየን ብር በጀት ብምፅዳቕ ተዛዚሙ።



 

መቀለ/ ሕዳር/17/ 2016 /ኢዜአ/መበል 27 ስሩዕ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ 2016 . ዝውዕል ልዕሊ 220 ሚሊየን ብር በጀት ብምፅዳቕ ተዛዚሙ።

እቲ በጀት በጀት ብስልጠና ከምኡ እውን ንስፖርታዊ ውድድራት ዝውዕል ምዃኑ ተገሊፁ።

ፕሮጀክት ስልጠና መናእሰይ በቲ በጀት ክትካእ ከምዝግባእ እውን ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ተስማዕሚዖም።

ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም እብ ልዑዕ ስፍራ ንክትቅመጥን ፍልፍል ኣታዊ እቲ ዓውዲ ንምድንፋዕን ምስ ፌዴሬሽን ክልላት ብምውዳድ ክስራሕ ኢዩ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ብግደኦም÷ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፅበዮ ውፅኢት ዘምፅኡ ኣትሌታት ብበዝሒ ንምፍራይ ክልላት ምስ ፌዴራል ተዋዲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ኣጠቓቕማ በጀትን ስነ ምግባር ስፖርትን ትኹረት ምሃብ ከምዝግባእ ምግላፆም እውን ኢዜአ  ካብ መቀለ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም