ፀረ-ሰላም ሓይልታት ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር  ኢዶም ብሰላም እናሃቡ ምዃኖም ተገሊፁ



 

አዲስ አበባ/ሕዳር/17/2016/ኢዜአ/ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ሓይሊት ፀረ-ሰላም እናተወሰደሎም ብዝርከብ ጥንኩር ስጉምቲ ብሰላም ኢዶም እናሃቡ ከምዝኾኑ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ኣፈፃፅማ ወፍሪ ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊክ ዝተመልከቱ ኣካቢ ኮማንድ ፖስት ዞባ ሰሜን ሸዋ ብርጋዲየር ጄኔራል ኣበባው ሰይድ ከምዝገለፁዎ፤ እቶም ሓይሊታት ፀረ ሰላም ዝተውሃቦም ኣማራፂ ሰላም ብምጥቃም ኢዶም ብሰላም ምሃቦም ዝናአድ ከም ዝኮነ ተሓቢሩ ፡፡

ኮሎኔል ግርማ ደምለው ብግደኦም፤ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ኣማራፂ ሰላም ምኽታል ንምንቅስቓስ ልምዓት ሃገርን እቲ ክልልን ምቹው ኩነታት ከምዝፈጥር ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈረ ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊክ ሕቶ ህዝብን ትልሚ መንግስትን ንምዕዋት ኢሉ እውን ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ብትብዓት እናሰርሑ ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም