ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መበል 27 ሓፈሻዊ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ መቐለ ተሳሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መበል 27 ሓፈሻዊ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ መቐለ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/15/ 2016 /ኢዜአ/ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መበል 27 ሓፈሻዊ ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ መቐለ ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ተግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፣ ሓላፊ ኮሚሽን ስፖርትን መናእሰይን ክልላት ተረኺቦም።
ኣይተ ጌታቸው ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፥ መንግስቲ ትግራይ ንምዕባለ ስፖርት ዘይተሓለለ ደገፍ ከምዝገብር ገሊፆም።
ኣብቲ ጉባኤ ቃለ ጉባኤ መበል 26 ሓፈሻዊ ስሩዕ ጉባኤ ብኣባላት ተራእዩ ፀዲቑ።