ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ብትልሚ ዝተትሓዙ ቐንዲ ቐንዲ ሽቶታት ዘተባብዐ ውፅኢት ኣመዝጊቦም  -ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል

አዲስ አበባ/ሕዳር/15/2016/ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፉ 100 መዓልትታት ኣብ ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ብትልሚ ዝተትሓዙ ቐንዲ ቐንዲ ሽቶታት ዘበረታትዑ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ዘፈር ኣብ ዝሓለፉ 100 መዓልትታት ዘተባብዐ ውፅኢታት ተመዝጊቦም።

ንኢንዱስትሪ ዝኾኑ እታዎታት ብምቕራብ፣ ዝኣትዉ ፍርያታት ብምትካእ፣ ፍርያታት ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብን ሓደሽቲ ኢንቨስትመንትታት ብምስሓብን ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ተመዝጊቡ ኢሎም።

 ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት እቲ በጀት ዓመት ካብ መፍረዪ ኢንዱስትሪ 38 ነጥቢ ሸውዓተ ሽሕ ቶን ፍርያት ናብ ዕዳጋ፣ወፃኢ ብምቕራብ ልዕሊ 72 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ገሊፆም።

ከምፀብፃብ ኢዜአ ሚኒስትር፣መዓድን ኢንጂነር ሃብታሙ ተገኝ ብወገኖም፤ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዘፈር መዓድን ሸርፊ ወፃኢ ክርከብ ብምግባርን ተካእቲ ፍርያታት ብምፍራይን ጭቡጥ ለውጢ ከምዝተመዝገበ ኣመላኺቶም።

ኣብ ኢትዮጵያ  ወርቂ፣ ሲሚንቶን ከሰልን ዘፍርዩ ኩባንያታት ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዘመዝገቡ ሓቢሮም ኣብ ቐረባ 'ውን ተወሰኽቲ ኩባንያታት ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 . ተኻይዱ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም