ኣብ ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝበፅሐ ዝራእቲ ቀውዒ ብወፍሪ ኣኪቦም



 

አዲስ አበባ/ሕዳር/14/2016/ኢዜአ/ ኣብ ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ወረዳ ዙርያ ጎንደር ዝበፅሐ ዝራእቲ ቀውዒ ብወፍሪ ከምዝኣከቡ ቤት ፅሕፈት ግብርና እቲ ወረዳ ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኣለባቸው ምህረት ንኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ዞባ ከምዝገለፅዎ እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ ዝራእቲ ክእክቡ ዝተገበረ እናወቕዐ ዝርከብ ግዜኡ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ዘብፅሖ ጉድኣት ንምክልኻል ' ኢሎም።

ኣብ ትሕቲ ሴክተር መስርያቤታት ወረዳ ዝርከቡ ልዕሊ 200 ሰራሕተኛታት ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ዝበፅሑ ዝራእቲ ዕፉንን ጣፍን ከምዝኣከቡ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዞባ ካብቲ ኣብ ወቕቲ ቀውዒ ሎሚዘበን ተሓሪሱ ብዘርኢ ዝተሸፈነ 522 ሽሕን 726 ሄክታር መሬት ዛጊድ ኣብ 304 ሽሕን 071 ሄክታር መሬት ዝነበረ ዝራእቲ ከምዝተኣከበ ካብ መምርሒ ግብርና እቲ ዞባ ዝተረኸበ መረዳእታ የመላኽት

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም