ኣብቲ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም  ልዕሊ 500 ሽሕ ንዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ግልጋሎት ኦንላይን ተበፃሒ ምግባር ተኻኢሉ

አዲስ አበባ/ሕዳር/14/2016/ኢዜአ/ ኣብቲ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 . ልዕሊ 500 ሽሕ ንዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ንፍቓድ ንግዲ ሓዊሱ ተተሓሓዝቲ ግልጋሎታት ብኦንላይን ተበፃሒ ምግባር ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

በዚ 'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ዘፈራት ግልጋሎት ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ፤ ኣብቲ ርብዒ ዓመት ኣብ መዳይ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ቕልጡፍ ግልጋሎት ምሃብ ዝሓሸ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ስርዓት ዕድጊት ነዳዲ ብልሽው ኣሰራርሓ ዝተቃለዐ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ  ፍልፍል ቂርታ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ኣብዚ ሕዚ ካብ ትእዛዝ ዕድጊት ነዳዲ ጀሚሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምጉዕዓዝ ኸምኡ 'ውን እቲ ኸይዲ ዝርግሕኡ ብዲጂታል ስርዓት ናይ ምቁፅፃር ስራሕ ንፈተነ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተጀመረ ተዛሪቦም።

ኣብ መዳይ ስርዓት ንግዲ ምዝማን 'ውን ኣብቲ ርብዒ ዓመት ልዕሊ 500 ሽሕ ንዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲ ንፍቓድ ንግዲ ሓዊሱ ተተሓሓዝቲ ግልጋሎታት ብኦንላይን ተበፃሒ ምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፆም

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ዶክተር በለጠ ሞላ ብወገኖም አብ ውሽጢ ርብዒ ዓመት ዝተፈላለዩ አገልግሎታት ብኦንላይን ተበፃሒ ብምግባር ዝሓሸ ስራሕ ከም ዝተወገነ ገሊፆም

ጎናጎድኒ ምስ እዚ መበገሲ ሓሳባት ዘፈር ቴክኖሎጂ (ስታርታአፖታት) በመዳይ ምድጋፍ ዝሓሸ ሰራሕ ምስላጡ ፀሪሆም

ኣፈፃፅማ ስራሕ መንግስቲ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 . ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (/) ኣብ ዝተረኸብሉ ተገምጊሙ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም