ኣፍደገ ባሕሪ ዓቕሚ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ናይ ምስሓብ ብምዕባይ ኢኮኖሚያዊ ተጠቃምነት የረጋግፅ - መምህር  ሙሉኣለም ሃይለማርያም ገሊፆም።

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/14/2016/ኢዜአ/ ኣፍደገ ባሕሪ ዓቕሚ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ናይ ምስሓብ ብምዕባይ ኢኮኖሚያዊ ተጠቃምነት የረጋግፅ ክብሉ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኻዊ ርክብን ሙሉኣለም ሃይለማርያም ገሊፆም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዋቸሞ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኻዊ ርክብን ሙሉኣለም ሃይለማርያም  ከምዝገለፅዎ፤ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ዓቕሚ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምስሓብ ብምዕባይ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ከባብያውን ተረባሕነት የረጋግፅ።

ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ኣብዚ ሕዚ ሃገርና ንኽፍሊት ግልጋሎት ወደብ ተውፅኦ ወፃኢ ብቢልዮን ዶላራት ዝቑፀር ገንዘብ ካብ ምድሓኑ ንላዕሊ ቐጥታዊ ኢንቨስትመንት ናይ ምስሓብ ዓቕሙ ዝለዓለ ዝበሉ መምህር ሙሉኣለም፤ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ካብ ዘይብለን ንላዕሊ ብኢንቨስተራት ወፃኢ ተመረፅቲ ምዃነን ተዛሪቦም።

እቲ ኻልእ ወናኒ ኣፍደገ ባሕሪ ምዃን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ከምዘዕቢውን ተዛሪቦም።

ከም መብርሂ መምህር ሙሉኣለም፤ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ዘለዋ ድልየት ሕዚ ዝመፅአ ዘይኾነስ ንድሕሪት ተመሊስና እንተርኢና ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎዩ።

እቲ ጉዳይ ኣብዚ ሕዚ ምልዓሉ ብመንፅር ሃገርና ትርከበሉ ኩነታት ሰላም ግቡእ ኣይኮነን ንዝብሉ ኣካላት ዝነቐፉ መምህር ሙሉኣለም፤ ጎናጎኒ ምዕቃብ ሰላም ኢኮኖሚያዊ ተጠቃምነት ሃገርና ዘረጋግፁ ጉዳያት ክርስዑ የብሎምን ኢሎም።

ብመትከል ሂብካ ምቕባል ብምጥቃም ኢትዮጵያ ዘለዉዋ ውሩያት ትካላት ንጎረባብቲ ሃገራት ከም መደራደሪ ብምቕራብ ኣብ ፍቓደኝነት ዝተመስረተ ኸይዲ ልምዓት ወደብ ምፍጣር ከምዝከኣል ሓቢሮም፤ እቲ ኻልእ መማረፂ ምስቲ ፈላማይ መማረፂ ዝተተሓሓዘን ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያዊ ድርድራት ብምኽታል ዝስራሕ ኢሎም።

ኣተሓሒዞምውን ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ጉዳይ ባሕሪ ምስ ዝምልከቶም መሻርኽቲ ኣካላትን ዲፕሎማሲያዊ ድርድር ከምዘድሊ ብምሕባር፤ እዚ ጉዳይ ናይ ፓርቲ ወይ ድማ ዝተወሰኑ ኣካላት ዘይኾነስ ሓድነት ኹሎም ኢትዮጵያውያን ዝሓትት ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎ ምዃኑ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም