ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ፀዲቑ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/14/ 2016 /ኢዜአ/ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ፀዲቑ።

ኣብ ኣሜሪካ ኢውጅን ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ኣትሌት ጉዳፍ ነቲ ርሕቕት 14 ደቒቓ 00 ሰከንድን 21 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ክብረወሰን ዓለም ምምዝጋባ ይዝከር።

 

ብመሰረት እዚ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ 5 ሺሕ ሜትሮ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ከምዝፀደቐላ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም