ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዓመት ብመንፅር ጉድለት በጀት ምቁፅፃርን ክፍሊት ዕዳ ምሽግሻግን ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ተራእዩ

አዲስ አበባ/ሕዳር/13/2016/ኢዜአ/ ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 . ብመንፅር ጉድለት በጀት ምቁፅፃርን ክፍሊት ዕዳ ምሽግሻግን ዝሓሸ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተገሊፁ።

መነባብሮ ብትሑት ኣታዊ ዝመሓዳደሩ ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝተሰርሑ ስራሕቲ 'ውን ንብዙሓት ዜጋታት ተጠቀምቲ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ከምዝተዛረብዎ፤ ኣብቲ ርብዒ ዓመት ምስ ብርክት ዝበሉ መዳርግቲ ትካላት ልምዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ተገይሩ።

እዚ 'ውን መንግስቲ ንህዝቢ ተጠቃሚ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓት ተበፃሒ ንምግባር ንዝጀመሮ ስራሕ ዝሕግዝ ' ኢሎም።

ሚኒስትር ትልምን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ብወገነን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብማክሮ ኢኮኖሚ ዝተመዝገበ ዕብየት ምስ ጭቡጥ ናብራ ዜጋታት ብምጥዕዓም ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተዛሪበን።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት መንግስቲ ብማእኸላይ በቢ ዓመቱ ካብ ቀረፅ ክረኽቦ ዝነበረ 15 ቢሊዮን ብር ብዝተሓተ ኣታዊ ንዝመሓዳደሩ ዜጋታት ንምድጓም ከምዘውዐሎ ኣዘኻኺረን።

ግልጋሎት ሰናይ ፍቓድ ካብ ዝጅመር ናብዚ መንበሪ ገዛ ልዕሊ 170 ሽሕ ዓቕመ ድኹማት ዜጋታት ምሕዳስ ከምዝተኽኣለ ሓቢረን።

ብተወሳኺ 'ውን ንደቂ ብትሑት ኣታዊ ዝመሓዳደሩ ብዙሓት ዜጋታት ናውቲ ትምህርቲ ብነፃ ተበፃሒ ንክኸውን ከምዝተገበረ ሓቢረን፤ ኣብቲ ርብዒ ዓመት ልዕሊ ክልተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚሊዮን ተምሃሮ ድማ ተጠቀምቲ ምገባ ቤት ትምህርቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም