" ንሃገርና ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ሳይንስን ምድጋፍ እንተኽኢልና ኣብ ሓፂር ግዜ ኣብ ብራኸ ብልፅግና ክንበፅሕ ኢና" - ግዝያዊ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሳሙኤል


 

አዲስ አበባ/ሕዳር/13/2016/ኢዜአ/ንዘፈራት ግብርና፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ግልጋሎት፣ ትራንስፖርትን ኻልኦትን ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ብሳይንስን ምድጋፍ እንተኽኢልና ኣብ ሓፂር ግዜ ውሽጢ ናብ ብልፅግና ልዕል ምባል ንኽእል ኢና ክብሉ ግዝያዊ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ተዛሪቦም።

ንኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እናተሰርሑ ብዛዕባ ዝርከቡ ስራሕቲ ብዝምልከት መርሃ ግብሪ ፈጠራ ግንዛበን ዑደትን ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ግዝያዊ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ከምዝገለፅዎ፤ ንሃገርና ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ዘዕብዩ ብቑዕትን ተወዳዳሪትን ዝገብሩ ስራሕቲ በቲ ኢንስቲትዩት እናተሰርሑ ይርከቡ።

ዘፈራት ግብርና፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ግልጋሎት፣ ትራንስፖርትን ኻልኦትን ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ብሳይንስን ምድጋፍ እንተኽኢልና ነቶም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ምቅልጣፍን ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ብልፅግና ምብራክና ዘይተርፍ ሓቂ እዩ ኢሎም

እቲ ዩኒቨርስቲ ምስቲ ኢንስቲትዩት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ብምውዳድ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም፤ ስርዓት ሎጂስቲክስ፣ ጥዕና፣ ግብሪን ግብርናን ንምዝማን ብሓባር እናሰራሕና ኢና ኢሎም።

ነቶም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ናብ ውፅኢት ምቕያርን ኣብ ኻልኦት ዘፈራት 'ውን ብሓባር ምስራሕን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም