ፅሬት ዘለዎን ተወዳዳርን ስርዓት ኦዲት ንምዝርጋሕ እጃም ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ክጠናኸር ኣለዎ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ፅሬት ዘለዎን ተወዳዳርን ስርዓት ኦዲት ንምዝርጋሕ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ዝገብርዎ ዘለው ሞያዊ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ ተሓቲቱ።

ትግበራ ኢዲት ኢትዮጵያ ዝምልከት ኣመራርሓ ትካል ኦዲት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

መድረኽ ግምገማ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብን ኣካቢ ቦርድ ዳይሬክተራት ቦርድ ኣተሓሕዛ ሒሳብን ኦዲትን ኢትዮጵያን ዶክተር እዮብ ተካልኝ ኣብቲ መድረኽ፤ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምዝጋብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኣገልግሎት ሒሳብን ኦዲትን ዝለዓለ እጃም ኣለዎ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም