ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ልዕሊ 109 ቢሊየን ብር እቶት ተረኪቡ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/13/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2016 . ልዕሊ 109 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ኣፈፃፅማ መደባት ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2016 . ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ኣብ ዝተረኸብሉ ተገምጊሙ።

ሚኒስትር  ኣይናለም ንጉሴ፥ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ልዕሊ 109 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ ኢለን።

ስርዓት ኣተኣኻኽባ እቲ እቶት ዲጂታላይዝ ንምግባር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከምኡወን ጥቡቕ ክትትልን ናይ ቁፅፅር ስራሕን ተግባራዊ ምኩኖም ገሊፀን።

ዓቕሚ ምእካብ እቶት ኢትዮጵያ ሐዚ እውን ብዝበለፀ ክብ ምባል ከምዝከኣል መርኣዪ ኢዩ ኢለን

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም