ጉባኤ ዓለም ለኸ ተመራመርቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ



 

አዲስ አበባ/ሕዳር/13/2016/ኢዜአ/ኣብቲ ጉባኤ፤ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ መፅናዕትን ምርምርን ዘካይዱ ኢትዮጰያውያንን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፃ ተመራመርቲ ደቂ ኣንስትዮን ተዓዲሞም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣየለች እሸቴ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርኦ መደረ፤ ኢትዮጵያ ንፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት እያ ኢለን።

ትምህርቲ ሓዊሱ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምዕባይ ንዕቤት ሃገርን ህንፀት ወለዶን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ዕድል ትምህርትን ተረባሕነተንን ምስፋሕ ከምዝግባእ ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ንምስፋሕ ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተሓገዙ ስራሕቲ ምስላጥ ከምዝግባእ ብምሕባር እጃም ተመራመርቲ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ምዃኑ ተዛሪበን።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኮተቤ ዶክተር ብርሃነመስቀል ጠና ብግደኦም፤ ተበፃሕነትን ፅሬትን ትምህርቲ ንምስፋሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃምን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም