ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ምስ በዓል መዚ ነዳድን ኢነርጅን ስምምዕ ተፈራሪሙ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2016 (ኢዜኣ) ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ምስ በዓል መዚ ነዳድን ኢነርጅን ስምምዕ ተፈራሪሙ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣክሊሉ ታደሰን ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ነዳድን ኢነርጅን ሳህረላ ኣብዱላሂን እቲ ስምምዕ ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕ፤ እቲ ኮርፖሬሽን እናተጠቐመሉ ዝፀንሐ ኣጠቓቕማ ኢነርጂ ብምምሕያሽ ካብቲ ዘለዎ ብርኪ ወፃኢ 10 ሚኢታዊ ንምቅናስ ዝዓለመ ምዃኑ ሓበሬታ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ የመላኽት።

ስለዝኾነ እውን ሜላታት ምምሕያሽ ዘበናውን ቅልጡፍን ኣጠቓቕማ ኢነርጂ ምስቲ በዓል መዚ ብምትሕብባር ተግባራዊ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እውን ንተግባራዊነት እቲ ስምምዕ ካብ ክልቲኦም ትካላት ዝተውፃእፀአ ሕብረት ማኔጂመንት ኢነርጂ ከምዝጣየሽ ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም