መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓለም ለኸ ሕብረት ኣካዳሚ ኣገልግሎት ፖሊስ ኣብ ተርእዮ ቴክኖሎጅን እዋን ሓደጋን̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ህንዲ እናተኸበረ ይርከብ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 13/2016 (ኢዜኣ) መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓለም ለኸ ሕብረት ኣካዳሚ ፖሊስ  ኣብ ተርእዮ ቴክኖሎጅን እዋን ሓደጋን̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ህንዲ እናተኸበረ ይርከብ።

ብምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ መስፍን ኣበበ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ ይሳተፍ ኣሎ።

እቲ ሕብረት ከም ኣቅፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2011 ዝተጣየሸ እንትኸውን ትካላት ስልጠና ትምህርቲ ፖሊስ ዓለም ለኸ ተሞኩሮታት ብምልውዋጥን ፍፃመታት ገበን ምክልኻል ዘኽእል ኣባላት ፖሊስ ብምፍራይን ብሓባር ኣብ ምስራሕ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ልኡኽ፤ ኣብ መበል 24 ኣኼባ ቦርድ ኣፈፀምቲ ከምዝሳተፍ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም