ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ  ንፋብሪካ እንጀራ ለሚ ዝሓሸ ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣር ክሰርሕ 'ዩ


 

አዲስ አበባ/ሕዳር/12/2016/ኢዜአ/ ንፋብሪካ እንጀራ ለሚ ዝሓሸ ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣር ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ብምዃን ኣብቲ ፋብሪካ እንጀራ ዑደት ገይሮም።

ዶክተር ሳሙኤል ኣብቲ ዑደት ምስ ፋብሪካ እንጀራ ለሚ ዝሓሸ ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን እቲ ፋብሪካ ብቐዋምነት ፅርየት ዘለዎ እንጀራ እናፍረየ ብምዃኑ ብቐረባ ሓቢርካ ንምስራሕ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዘለዎ ቁሩብነት ገሊፆም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ብወገነን ምስ ኣዴታት ኣብ ዝገበርኦ ዘተ እቲ ፋብሪካ ብምሉእ ዓቕሙ ንኸፍርይ ጥንኩር ባህሊ ስራሕ ምምዕባል፣ ምሕደራ ምጥንኻርን ዝሓሸ ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን ክንሰርሕ ኢና ኢለን።

እቲ ፋብሪካ ሓዱሽን ንብርክት ዝበላ ኣዴታት ዕድል ስራሕ ዝፈጠረ ብምዃኑ ውፅኢታዊ ንክኸውን ክትትል ክንገብር ኢና ምባለን መረዳእታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም