ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት 2016 ዓ.ም ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ሜትሪክ ቶን ዝኣትውን ዝወፅእን ናውቲ ምጉዕዓዝ ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዶክተር ኣለሙ ስሜ ገሊፆም

አዲስ አበባ/ሕዳር/12/2016/ኢዜአ/ ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት 2016 . ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ሜትሪክ ቶን ዝኣትውን ዝወፅእን ናውቲ ምጉዕዓዝ ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዶክተር ኣለሙ ስሜ ገሊፆም።

ገምጋም ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 . ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ እናተሳለጠ ይርከብ።

 ኣብቲ መድረኽ ምንቅስቓሳት ስራሕ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ብሰፊሑ ተገምጊሙ።

 ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዶክተር ኣለሙ ስሜ፤ ኣብቲ ፈላማይ ርብዒ ዓመት ምችው ስርዓት ትራንስፖርት ህዝቢ ንምዝርጋሕ ብዝተገበረ ፃዕሪ ፅቡቕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

ኣብ ሓደ ሓደ ክልል ከተማታት ዲጂታል ግልጋሎት መነሃርያታት ትራንስፖርት ተጀሚሩ ተገልገልቲ ቕልጡፍ ግልጋሎት ንክረኽቡ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ኣብቲ ርብዒ ዓመት ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ሜትሪክ ቶን ዝኣትውን ዝወፅእን ናውቲ ምጉዕዓዝ ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም፤ ካብዚ ውሽጢ 91 ነጥቢ ሸውዓተ ሜትሪክ ቶን ናብ ሃገር ውሽጢ ዝኣተወን ሸሞንተ ነጥቢ ሰለስተ ሜትሪክ ቶን ድማ ናብ ወፃኢ ዝወፅአ ምዃኑ ፀሪሖም

ኢትዮጵያ 95 ሚኢታዊ ዝወፅኡን ዝኣትዉን ፍርያታት ብወደብ ጅቡቲ ከምዝተተኣናግድ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ መማረፅታት ወደብ ንምስፋሕ 'ውን ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ወደብ በርበራ ንምጥቃም ዝርርብ ከምዝተጀመረ ሓቢሮም፤ እቲ ኸይዲ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ 'ውን ተዛሪቦም።

ደረቕ ወደብ 'ውን ኣብ ጅግጅጋ ከምኡ 'ውን ንግልጋሎት ሓደ ማእኸል ኣብ ቶጎ ጫሌ ንምህናፅ ዘኽእል መፅናዕቲ ተዛዚሙ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም