ኣወሃህባ ኣገልግሎት ማዘጋጃ ቤት ከተማታት ኢትዮጵያ ናብ ዲጂታል ንምሽግጋር እናተሰርሐ እዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 12/2016 (ኢዜኣ) ኣወሃህባ ኣገልግሎት ማዘጋጃ ቤት ከተማታት ኢትዮጵያ ናብ ዲጂታል ንምሽግጋር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

ግምገማ ኣፈፃፅማ ፈላማይ ርብዒ ዓመት መበጀት ዓመት 2016 መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (/) ኣብ ዝተረኸብሉ ተጀሚሩ።

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ስራሕቲ ምንቅስቓደስ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣመልኪተን ኣብቲ ግምገማ ከምዝበልኦ፤ ኣብቲ ፈላማይ ርብዒ ዓመት ኣገልግሎታት ማዘጋጃ ቤታት ንምምዕባል ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም።

ኣብ 6 ከተማታት ብርኪ ኣገልግሎታት ብምድላው ተግባራዊ ንክገብሩ ትልሚ ተታሒዙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ እውን ተዛሪበን።

ኣወሃህባ ኣገልግሎት ከተማታት ንምምዕባልን ናብ ዲጂታል ንምሽግጋርን ኣብ ከተማታት ቀብሪደሃር፣ ጅግጅጋ፣ ደብረ ብርሃንን ቢሾፍቱን እናተሰርሐ ምዃኑ ከም ኣብነት ፀሪሐን።

ኣብቲ ርብዒ ዓመት ካብ ኣገልግሎት ማዘጋጃ ቤት ከተማታት 6 ነጥቢ 8 ቢልዮን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ገሊፀን።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም