ብልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ክሳብ ሕዚ 800 ሺሕ ሄክታር ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ብልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ ክሳብ ሕዚ 800 ሺሕ ሄክታር ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/12/ 2016 /ኢዜአ/ብልምዓት መስኖ ስርናይ ሓጋይ እዚ ዓመት ካብ ዝተሓሰበ 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ክሳብ ሕዚ 800 ሺሕ ሄክታር ብዘርኢ ከምዝተሸፈነ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ንይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ብግደአን÷ ዝተማለአ እተወት መስኖ ዘለዎን ዓመት ሙሉእ ዝለምዕን መሬት 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ከምዝበፅሐ ተዛሪበን።
መንግስቲ ገምጋም ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2016 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተጀሚሩ።
ኣብቲ ገምጋም ምንቅስቓሳት ልምዓት ሕርሻ መስኖን ክረምቲን ዝተዳህሰሱ እንትኾኑ÷ ኣብዚ ርብዒ ዓመት 17 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄከታር ኣብ ቀንዲ ቀነዲ ዝራእቲ ካብ ዝለምዑ 6 ሚሊየን ሄክታር መሬት ዝበፅሑ ዝራእቲ ፍርያት ከምዝተኣከበ ተሓቢሩ፡፡
ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣምንቴ (ዶ/ር)÷ ብፍላይ ኣብዚ ሰሙን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ስለዘሎ ዝባፅሑ ዝራእቲ ፍርያቶም እንተይባኸነ ብምትሕብባር ብምእካብ ዝተጠናኸረ ስራሕ ከምዝቐፀለ ገሊፆም።
ኣብዚ ዓመት 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብመስኖ ስስርናይ ብምልማዕ 117 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ንምርካብ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ብምሕባር÷ ኣብዚ ርብዒ ዓመት 800 ሺሕ ሄክታር መሬት ብዝራእቲ ከምዝተሸፈነ ኣብሪሆም።
ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ንይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ብግደአን÷ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ብሕርሻ ዝልምዕ መሬትን ዓቕሚ ማይን ከምዝተፈለየ ብምፅራሕ፤ ኢትዮጵያ 10 ሚሊየን ሄክታር ብዝተማለአ ልምዓት መስኖ ምልማዕ ከምዝከኣል ከምዝተፈለየ ሓቢረን።