ንግዲ ወፃኢ ፍርያት ግብርና ንምዕባይ ፅርየት ምውሳክን ንአማራፅታት ግብርና ምስፋሕን ይግባእ

 

አዲስ አበባ/ሕዳር/12/2016/ኢዜአ/ /ንግዲ ወፃኢ ፍርያት ግብርና ብምዕባይን ፅርየት ብምውሳክን አማራፅታት ግብርና ምስፋሕ ጠመተ ተዋሂብዎ ይስራሕ ምህላዉሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

 ንግዲ ወፃኢ ፍርያታት ግብርናን ካልኦትን ንምዕባይ ኣብ ኣፍሪካ፣ ኣውሮፓን ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ዝርከቡ ፍርያት ዝበፅሐሎም ንምስፍሕፋሕ ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ።

ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዘፍለጥዎ፤ ፍርያታት ግብርናን ኻልኦት ዝተፈላለዩ ፍርያታትን ኢትዮጵያ ብበዝሒ ዝለኣኸለን ሃገራት ውሽጢ 'የን ዝበሉ ኣይተ ገብረመስቀል፤ መማረፅታት ዕዳጋ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ሃገራት ኤስያን ዓረብን ኸምኡ 'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ፍርያታት ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም