ዞባ ምዕራብ ጎንደር 190 ሽሕ ኩንታል ፍርያት ሰሊጥ ናብ ማእኸላይ ዕዳጋ እናቕረበ 'ዩ


አዲስ አበባ/ሕዳር/11/2016/ኢዜአ/ዞባ ምዕራብ ጎንደር 190 ሽሕ ኩንታል ፅርየቱ ዝሓለወ ሰሊጥ ናብ ማእኸላይ ዕዳጋ ከምዘቕረበ መምርሒ ንግድን ልምዓት ዕዳጋን እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ መምርሒ ኣይተ ጌትነት በሊሁን  ከምዝተዛረብዎ፤ ኣብዚ ዓመት 980 ሽሕ ኩንታል ፍርያት ሰሊጥ ብሕጋዊ መገዲ ናብ ማእኸላይ ዕዳጋ ንምቕራብ ተተሊሙ እናተሰርሐ 'ዩ።

በዚ 'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ብዝተገበረ ምንቅስቓስ ዕድጊት ሰሊጥ 190 ሽሕ ኩንታል ብሕጋውያን ነጋዶን ትካላትን መቕረብቲ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

እቲ ፍርያት ኣብ 28 ቀዳማይ ብርኪ ማእኸላት ዕዳጋ ብዘቕርቡ 500 መቕረብቲ፣ መቀናበርትን ዘፍርዩ ሰብ ሃፍትን መሰረት ዝተሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም።

እቲ ናብ ማእኸላይ ዕዳጋ ዝቐረበ ፍርያት ሰሊጥ ምስ ተመሳሳሊ እዋን ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር 110 ሽሕ ኩንታል ወሰኽ ከምዘለዎ ገሊፆም፤ ነዚ 'ውን ሰብሃፍትን ሓረስቶትን ኣብ ፍርያት ሰሊጥ ብሰፊሑ ስለዝተዋፈሩን ዝሓሸ ፍርያት ስለዝፈረየን ምዃኑ ኣመላኺቶም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ማእኸላይ ዕዳጋ እናቐረበ ንዝርከብ ፍርያት ሰሊጥ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ብምቕራብ ዝሓሸ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ እናተሰርሐ ምዃኑ ምዝራቦም ካብቲ መምርሒ ዝተረኸበ መረዳእታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም