ብሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ ዓውዲ ጥዕና ንምምዕባልን መፍረያይነት ግብርና ንምዕባይን ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም

 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 11/2016 (ኢዜኣ) ብሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ ዓውዲ ጥዕና ንምምዕባልን መፍረያይነት ግብርና ንምዕባይን ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ምዃኖም ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣብ እዋን ሙኮራ ውፅኢታውነቶም ዝተረጋገፁ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምርምር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስራሕ ከምዝውዕሉ ተገሊፁ።

ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ፤ ፍልጠት፣ክእለት፣ቋንቋን እሳበን ወዲ ሰብ ብዝለዓለ ኣረዳድኣን ግንዛበን መሰረት ብምግባር ንፀገማት ቅልጡፍ መፍትሒ ምሃብ ዘኽእል እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(/) ብዘመንጨውዎ መበገሲ ሓሳብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኣብ 2012 / ዝተጣየሸ እንትኸውን፤ 10 መስከረም 2013 / መሪቖም ስራሕ ከምዘጀመርዎ ዝፍለጥ እዩ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዶክተር ታዬ ግርማ፤ ብመንግስቲ ዲጂታል ስትራቴጂ ተሓንፂፁ ሓቛፍን ኩለ መዳያውን ዕቤት ንምምፃእ ሰረት ዝኸውን ስራሕ እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።

ነቲ ዓውዲ ዓብይ ሰረት ዝኸውን ዳታ ሴንተር አርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ተሃኒፁ ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለ እውን ገሊፆም።

በቲ ትካል ዝተሰርሑ ውፅኢታት ምርምራት ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 700 ሽሕ ሰባት ከምዝጎብነይዎም ብምሕባር፤ ንዜጋታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ግንዛበ ንምጭባጥ ዝተፈላለዩ ኮንፈረንሳት ምድላዎም ገሊፆም።

ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ ብምጥቃም ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝረአ ሕፅረት ሰብ ሞያታት ስፔሻሊትን ሰብ-ስፔሻሊትን ንምፍታሕ እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ዶክተር ታዬ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እውን መፍረያይነት ግብርና ንምዕባይ ዘኽእሉ ተግባራት እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።

ኣብ 2022 / ኣብ አርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣፍሪካ ቅድሚት ንክስራዕ ዝገብርዎ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ክውን ኣብ ምግባር ከምዝኾነ እውን እቲ ኢንስቲትዩት ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም