ሚኒስትር ግልጋሎት ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ስዑድ ዓረብ ሳላሕ ቢን ናስር ኣል ጃስር ምስ ጉጅለ ልኡኾም ብምዃን ኣብ ተርሚናል ወደብ ሞጆ ዑደት ይገብሩ ኣለዉ


ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/11/ 2016 /ኢዜአ/ሚኒስትር ግልጋሎት ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ስዑድ ዓረብ ሳላሕ ቢን ናስር ኣል ጃስር ምስ ጉጅለ ልኡኾም ብምዃን ኣብ ተርሚናል ወደብ ሞጆ ዑደት ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብቲ እዋን ዑደት ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ፌዴሪኢ ኣለሙ ስሜ (/) ምስቲ ጉጅለ ልኡኽ ብምዃን ዑደት እናገበረ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ልኡኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ አንትበፅሕ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብምዃ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም