ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝን ርክባት ምትሕብባር ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝን ርክባት ምትሕብባር ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 10/2016 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝን ርክባት ምትሕብባር ኢትዮጵያን ጀርመንን ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ከምዝዘተዩ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀሥላሴ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀሥላሴ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ዝገበርዎ ምክክር ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ እቶም መራሕቲ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ከምኡ እውን ኣብ ከባብያውን ዓለም ለኻውን ዛዕባታት ምዝታዮም ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዘተኦም፤ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ትዋፈረሎም ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ብሓባርምፍላይ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ውሽጣዊ ፀገም ንምፍታሕ መንግስቲ ዘሳለጦም ስራሕቲ ኣመልኪቶም ገለፃ ከምዝገበሩ ብምሕባር ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ሰላም ብዘላቕነት ንምህናፅ ከም ሃገር ዝሳለጡ ዘለው ተግባራት ምግላፆም ኣምባሳደር ታዬ ሓቢሮም።