ሙሁራን ሓባራዊ ተረባሕነት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ምርመራ ትኹረት ክገብሩ ኣለዎም


 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 7/2016 (ኢዜኣ) ሙሁራን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለወን ፀጋ ብሓባር ብምልማዕን ብምጥቃምን ብልፅግና ከረጋግፁ ኣብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምርመራ ትኹረት ንክገብሩ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ̎ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪካ̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሴሚናር የካይድ ኣሎ።

ተጠባባቒ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉያት ባህርያት ዘለውዎ ከባቢ እዩ።

ሃገራት እቲ ከባቢ ዋላ ሓባራዊ ታሪኽን ተስፋን ዘለወን እንተኾና ዘለወን ፀጋታት ብሓባር ኣልሚዐን ኣብ ምጥቃም ብዙሕ ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ነዚ ስዒቡ እውን ዜጋታት ንክደኽዩን ንክስደዱን ከምኡ እውን እቲ ከባቢ ዘይተረጋግዐ ንክኸውን ገይርዎ ፀኒሑ እዩ ኢሎም።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ወደብ ሓዊሱ ዘለወን ሃፍቲ ብሓባር ኣተኣሳሲረን እንተተጠቒመን ክበፅሐኦ ዝኽእላ ብርኪ ብልጽግና ሙሁራን ተመራሚሮም ክበፅሕዎን መፍትሒ ከቕምጥሉን ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም