ኣብ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ዝጠመተ ሴሚናር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/7/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ዝጠመተ ሴሚናር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ሴሚናር ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ወደብ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ቀርኒ ኣፍሪካ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ጂኦፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ሓጋዊን ዲፕሎማሲያዊ ምልከታ ኣጠቓቕማ ወደብ ዝንፀባረቐሉ ሴሚናር ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ተጠባባቒ ፕሬዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ(/) ዩኒቨርሲቲታት ትኽክለኛ ኣንፈት መፍትሒ ሓሳብ  ንኽኾናን ኣካዳሚያዊ ናፅነተን ንኽሕሎን ራስ ገዝ ክኾና ዝተጀመረ ፃዕሪ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብቀዳምነት እናተግበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብቲ መድረኽ ኣጠቓቕማ ወደብ ብመንፅር ጂኦፖለቲካዊ ምልከታ ዝትንትን መበገሲ ፅሑፍ ቀሪቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም