ዋና ፀሓፊት ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ፋጡማ ሳሞራይ ዑደት ስራሕ ንምግባር ድሬዳዋ ተረኪበን። - ኢዜአ ትግርኛ
ዋና ፀሓፊት ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ፋጡማ ሳሞራይ ዑደት ስራሕ ንምግባር ድሬዳዋ ተረኪበን።

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/6/ 2016 /ኢዜአ/ዋና ፀሓፊት ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ፋጡማ ሳሞራይ ዑደት ስራሕ ንምግባር ድሬዳዋ ተረኪበን።
እተን ዋና ፀሓፊት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ድሬዳዋ እንትበፅሓ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከድር ጁሃርን ኣባላት ካቢኔ እቲ ምምሕዳርን ኣቀባብላ ገይሮምለን።
እተን ዋና ፀሓፊት ኣብ ድሬዳዋ ፃንሒተን ኣብ ፕሮጀክት ኩዕሾ እግሪ ህፃናትን ኣብ ዓውዲ ስፖርት ዝካየዱ ተግባራትን ከምዝዕዘባ ትፅቢት ከምዘሎ ኢዜአ ፀብፂቡ፡፡
ብፍላይ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ብ50 ሚሊየን ብር ወፃኢ መፃወቲ ሜዳ ሰብ ስራሕ ሳዕሪ ምልባስን ኣብቲ ስታዲየም ዝተሰርሑ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ከምዝዕዘባ ተገሊፁ፡፡