ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ? ብኸመይ ምክልኻል ይከኣል?

 

አዲስ አበባ/ሕዳር/4/2016/ኢዜአ/ ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ካብ ብንእስነት ክጅምር ይኽእል እዩ



















ሕማም ሽኮር ኣብ ሰረተ-ዘርእን [ጀነቲካዊ] ከባብያውን መንቀልታት ዝምርኮስ ኮይኑ ግን ድማ ብጥዑይ ኣመጋግባን ንጡፍ ኣነባብራን መጠን ሽኮር ደምካ ክትቆጻጸሮ ትኽእል ኢኻ።ዝተመስርሐ ሽኮር ዘለዎ መግብን መስተታትን ምውጋድ፡ ከምኡውን ጻዕዳ ባኒን ፓስታን ተፈጥሮኣዊ መዓዛ ብዘለዎም መግብታት ምቕያር ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ ዝተጻረየ ሽኮርን ዝተጻረየ እኽልን ብቪታሚን ዝሃብተመ ክፋሎም ስለዝእለ መኣዛታት ዝጎደሎዩ። ኣብነት ጻዕዳ ሓርጭ፡ ጻዕዳ ባኒ፡ ጻዕዳ ሩዝ፡ ጻዕዳ ፓስታ፡ ኬክ፡ ሽኮር ዘለዎ መስተ፡ ምቁር መግቢ፡ ከምኡውን ተወሳኺ ሽኮር ዘለዎ ቁርሲ ይርከብዎም።ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ ኣሕምልትን ፍረታትን የጠቓልልብተወሳኺ ጥዕና ዘለዎም ዘይቲታት፡ ከምኡውን ብሳርዲን፡ ሳልሞንን ስገምሪን ዝሃብተሙ ዓሳታት የጠቓልል።ኣብ ስሩዕ ግዜ ምብላዕን ምስ ፀገብካ ምብላዕ ምቁራጽን ኣገዳሲ እዩ። ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር እውን ኣብ ደምካ ዘሎ መጠን ሽኮር ንምንካይ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።ሃገራዊ ስርዓተ ጥዕና ብሪጣንያ ኣብ ሰሙን 2.5 ሰዓታት ኤሮቢክ ንጥፈታት ክግበር ይመክር፡ እዚ ድማ ቅልጡፍ ምጉዓዝን መደያይቦ ምድያብን ከጠቓልል ይኽእል።ጥዑይ ክብደት ኣካላትካ ደረጃ ሽኮር ኣብ ደምካ ብቐሊሉ ንኽንኪ ይገብሮ። ክብደትካ ክትቅንስ እንተድኣ ኣድልዩካ፡ ኣብ ሰሙን ካብ 0.5 ኪሎ ክሳብ 1 ኪሎ ክተጉድል ጽዓር።ሽጋራ ዘይምትካኽን መጠን ኮሌስትሮልካ ምክትታልን እውን ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ሓደጋ ሕማም ልቢ ንምንካይ ሓጋዚዩ።

ሕማም ሽኮር ዘስዕቦ ጸገማት እንታይ እዩ?ኣብ ደም ልዑል መጠን ሽኮር እንተሃልዩ ንሰራውር ደም ብኸቢድ ክጎድእ ይኽእል።ደም ኣብ ኣካላትካ ብጽቡቕ ክንቀሳቐስ እንተዘይክኢሉ፡ ናብ ዘድልዮም ክፋላት ኣካላት ኣይበጽሕን፡ እዚ ድማ ንሓደጋ ምጉዳእ ነርቭ (ስምዒትን ቃንዛን ምጥፋእ) ጸገም ምርኣይን ረኽሲ እግርን ይውስኽ።ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሕማም ሽኮር ቀንዲ ጠንቂ ዓይነ ስውሩነት፣ ድኻም ኩሊት፣ ወቕዒ ልቢ፣ ወቕዒን ምቑራጽ እግርን ምዃኑ ይገልጽ።ኣብ 2016 ብገምጋም 1.6 ሚልዮን ዝሞቱ ሰባት ብቐጥታ ብሰንኪ ሕማም ሽኮር ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ክንደይ ሰባት ሕማም ሽኮር ኣለዎም?ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቁጽሪ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ኣብ 1980 ካብ ዝነበረ 108 ሚልዮን ኣብ 2014 ናብ 422 ሚልዮን ክብ ኢሉ።ኣብ 1980 ብደረጃ ዓለም ትሕቲ 5 ምኢታዊት ካብ ዓበይቲ (ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ) ሕማም ሽኮር ነይርዎም - ኣብ 2014 እቲ መጠን 8.5 ምኢታዊት ነይሩ።ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ሕማም ሽኮር ከም ዝግምቶ ዳርጋ 80 ምኢታዊት ካብቶም ምስ እቲ ሕማም ዝነብሩ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ማእከላይን ትሑትን እቶት ዘለወን ሃገራት ዝርከቡ ኮይኖም፡ ኣብዘን ሃገራት ድማ ልምዲ ኣመጋግባ ብቕልጡፍ ክቕየር ከምዝጸንሐን ይግምት።ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ድማ ምስ ድኽነትን ዘይጥዑይ ኣመጋግባን ዝተኣሳሰር እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም