ኣብ ምህዳር ሳይበር ዓቕሚ ዘይሃነፀት ሃገር ድሕንነት ሳይበር ክትሕሉ ከምዘይትኽእል ተገሊፁ


ኣዲስ
ኣበባ/ ሕዳር/3/ 2016 /ኢዜአ/ ነባራዊ ኩነታ እንርከበሉ ዓለም ኣብ ምህዳር ሳይበር ዓቕሚ ዘይሃነፀት ሃገር ድሕንነት ሳይበርን ሉኣላዋነታን ክትሕሉ ከምዘይትኽእል ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ (ኢመደኣ) ገሊፁ።

ኢመደኣ ምስ ኤምባሲ ማልታ ኣብ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ዲፕሎማሲ ሳይበር ብምድሃብ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ንዝተውፃእፅኡ ሓለፍቲ ስራሕን ሰብ ሞያን ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ኢመደኣ ኣይተ ሰለሞን ሶካ ኣብ መኽፈቲ እቲ ስልጠና÷ ምህዳር ሳይበር ሓደ ተወሳኺ ምህዳር ዲፕሎማሲ ዝንቀሳቐሰሉ ብምዃኑ ዓቕሚ ዲፕሎማሲ ሳይበር ምፍጣር ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ምህዳር ሳይበር ኩለመዳይ ዓቕሚ ዘይሃነፀት ሃገር ድሕንነት ሳይበርን ሉኣላዊነታን ክትሕሉ ከምዘይትኽእል ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ብሄራዊ ረብሐአን ምሕላው ይኹን ብዝተወደበን ብዝተማለአን መልክዑ ድምፀን ከስማዓ ከምዘይኽእላ ምገላፆም ካብ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም