ዓለም ለኸ ሲምፖዚየም ሕብረት ኣስትሮኖሚካል ተጀሚሩ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/3/ 2016 /ኢዜአ/መበል 386 ዓለም ለኸ ሲምፖዚየም ሕብረት ኣስትሮኖሚካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ሲምፖዚየም÷ "ፀሊም ሰማይን ሓድጊታት ስነ-ፈለክን ኣስትሮ ቱሪዝም ንምድንፋዕ ዘለዎም ግደ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ካብ ኣፍሪካ፣ እስያንና ኣውሮፓን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ዓለማት ዝመፅኡ ዓለም ለኸን ሃገር ለኸን መዳርግቲ ኣካላት እቲ ዓውዲ ኣብቲ ሲምፖዚየም እናተሳተፉ ከምዝኾኑ  ተገሊፁ፡፡

እቲ ሲምፖዚየም ዝተሰናደአ÷ ብዓለም ለኸ ሕብረት ኣስትሮኖሚካል፣ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን፣ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሚኒስቴር ቱሪዝምን ብምትሕብባር ከምዝኾነ ኢዜአ ፀብፂቡ ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም