ዓለም ለኸ ሲምፖዚየም ሕብረት ኣስትሮኖሚካል ተጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸ ሲምፖዚየም ሕብረት ኣስትሮኖሚካል ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/3/ 2016 /ኢዜአ/መበል 386 ዓለም ለኸ ሲምፖዚየም ሕብረት ኣስትሮኖሚካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።
እቲ ሲምፖዚየም÷ "ፀሊም ሰማይን ሓድጊታት ስነ-ፈለክን ኣስትሮ ቱሪዝም ንምድንፋዕ ዘለዎም ግደ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።
ካብ ኣፍሪካ፣ እስያንና ኣውሮፓን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ-ዓለማት ዝመፅኡ ዓለም ለኸን ሃገር ለኸን መዳርግቲ ኣካላት እቲ ዓውዲ ኣብቲ ሲምፖዚየም እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡
እቲ ሲምፖዚየም ዝተሰናደአ÷ ብዓለም ለኸ ሕብረት ኣስትሮኖሚካል፣ ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን፣ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሚኒስቴር ቱሪዝምን ብምትሕብባር ከምዝኾነ ኢዜአ ፀብፂቡ ፡፡