ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት 25 ሚሊዮን ሓረስቶት ንትሕዝቶ ሕርሽኦም ዝክውን መረጋገፂ ሰርተፍኬት ከምዝረኽቡ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

 

አዲስ አበባ/ሕዳር/3/2016/ኢዜአ/ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት 25 ሚሊዮን ሓረስቶት ንትሕዝቶ ሕርሽኦም መረጋገፂ ሰርተፍኬት ከምዝረኽቡ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

ዛጊድ 30 ሚሊዮን ቦታታት ሕርሻ ብምምዝጋብ 25 ሚሊዮን ሓረስቶት መረጋገፂ ሰርተፍኬት ትሕዝቶ ሕርሻ ተዋሂቡ።

ኣብ ሚኒስትር ግብርና መራሒ ስራሕ ፈፃሚ ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን መሬት ገጠር ኣይተ ትዕግስቱ ገብረመስቀል  ከምዝገለፅዎ ከም ሃገር ኣብ ኢድ ሓረስታይ ዝርከቡ ልዕሊ 50 ሚሊዮን ዝተፈላለየ ስፍሓት ዘለዎም ሕርሻታት ከም ዘለው አረጋጊፆም

ካብዚ ውሽጢ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት መሰል ወናነት ሓረስታይ ንምርግጋፅ ስራሕቲ 30 ሚሊዮን ሕርሻታት ምምዝጋብን ካርታ እቶም ሕርሻታት ምንካይን ከምዝተሰርሐ ሓቢሮም፤ ጎናጎኒ 25 ሓረስቶት መረጋገፂ ትሕዝቶ ሕርሽኦም ተዋሂቡ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም