ኣብ ማራቶን ቤይሩት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልትዑ ፆታታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/3/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ቤይሩት ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምስባር ተዓዊቶም፡፡

ብደቂ ተባዕትዮ ጋዲሳ ጣፋ 021034 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ክብረ ወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ቀዳማይ እንትወፅእ÷ ጎጃም በላይነህ ድማ ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ፡፡

ብደቂ ኣንስትዮ ብዝተገበረ ውድድር ድማ ኣትሌት ሙሉ ጎጃም ብርሃን 021932 ብምእታውን ክብረ ወስን እቲ ቦታት ብምምሕያሽን ቀዳመይቲ እንትትወፅእ÷ጌጤ ዱከሌን ኣስመሬ በየነን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብመሓዝ ውድድረን ዛዚመን፡፡

ኣብ ቆንሱል ጀነራል ... ኣብ ቤይሩት ኣምባሳደር ተመስገን ዑመር ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ንኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዘተባብዑ እንትኾኑ ብኣሰናዳእቲ እቲ ውድድር ዝተሰናደአ ሽልማት ንተዓወትቲ ምብርካቶም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም