ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተዋደዱ መንቀሳቐስቲ ኢንተርፕራይዝ ምትእስሳር ዕዳጋ 850 ሚሊዮን ብር ተፈጢሩ

 

አዲስ አበባ/ሕዳር/1/2016/ኢዜአ/ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብቶም ፈላሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ብኢንተርፕራይዝ ንዝተዋደዱ መንቀሳቐስቲ 850 ሚሊዮን ብር ምትእስሳር ዕዳጋ ብምፍጣር ስራሕቲ ምጥንኻር ከምዝተሰርሐ ቢሮ ስራሕን ስልጠናን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ልምዓት ዕዳጋን ዕድጊትን እቲ ቢሮ ኣይተ ፍቅረማርያም የኔኣባት፤ መንቀሳቐስቲ ኢንተርፕራይዛት ዝገጥሞም ምትእስሳር ዕዳጋ ንምቅላል ድጋፍ እናተገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብቲ በጀት ዓመት ሓሙሽተ ነጥቢ ሽዱሽተ ቢሊዮን ብር ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣር ከምዝተተለመ ገሊፆም፤ ኣብቲ ፈላማይ ርብዒ ዓመት ብዝተገበረ ፃዕሪ 850 ሚሊዮን ብር ምትእስሳር ዕዳጋ ብምፍጣር ስራሕቲ ምጥንኻር ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

እቲ ምትእስሳር ዕዳጋ ዝተፈጠረ ኣብ ዝተፈላለየ ኢንተርፕራይዝ ንዝተወደቡ 12 ሽሕን 600 መንቀሳቐስቲ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም