ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ኢትዮ ቴሌኮምን ብሓባር ምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕ ተፈራሪሞም


 

ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 29/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ኢትዮ ቴሌኮምን ብሓባር ምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕ ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕ፤ ኣገልግሎት ስማርት ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ምዃኑ እውን ተገሊፁ።

እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ዶክተር ኢንጀነር ሃብታሙ ኢተፋን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ፈሪሞሞ።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ዶክተር ኢንጀነር ሃብታሙ ኢተፋ፤ እቲ ስምምዕ መሰረተ ልምዓት ዘበናዊ ክላውድ ብምጥቃም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላትን ዲጂታላይዝ ምግባር ዘኽእል እዩ ኢሎም።

ዕላማ እቲ ስምምዕ እውን ምምሕዳርን ኣተኣኻኽባ ሓበሬታን ሃፍቲ ማይ ብምዝማን ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ንምዕባይ ከምዝኾነ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም