ሃገራዊ ኮንፈረንስ መፅናዕቲን ምርምርን ሳይበር ድሕንነት አብ አዲስ አበባ ይሳለጥ ኣሎ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/29/ 2016 /ኢዜአ/ሃገራዊ ኮንፈረንስ መፅናዕቲን ምርምርን ሳይበር ድሕንነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣይተ ሰለሞን ሶካ፥ እቲ ኮንፈረንስ ዜጋታት ብዛዕባ ሳይበር ድሕንነት ዘለዎም ግንዛበን ንቕሓተ ሕሊናን ክብ ብምባል ብመጥቃዕቲ ሳይበር ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይ ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

ንቑሕን ዝሰልጠነን ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍራይ እውን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ኮይኑ እውን መጥቃዕቲ ሳይበር ኣብ ኢትዮጵያ ከብፅሖ ዝኽእል ጉድኣት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተፈላለዩ መፅናዕቲታትን ምርምራትን ይካየዱ ከም ዘለዉ ሓቢሮም

ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ጠመተ ገይረን ዝሰርሓ ዩኒቨርሲቲታትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብቲ ዛዕባ ትኹረት ንክገብሩ አይተ ሰሎሞን ሶካ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፣ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መረብ ድሕንነት ሰለሞን ሶካን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም