ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካን ኣካዳሚ ብሄራዊ ምምሕዳር ቻይናን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/28/ 2016 /ኢዜአ/ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካን ኣካዳሚ ብሄራዊ ምምሕዳር ቻይናን ላዕለዎት ኣመራርሓ ብስልጠናን ብምርምርን ዓቕሞም ንምህናፅ ዘኽእል ስምዕምዕነት ተከቲሙ።

እቲ ስምምዕነት÷ ርእሰ ኣካዳሚ ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ዛዲግ ኣብርሃን ምክትል ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ ብሄራዊ ምምሕዳር ቻይና ፕሮፌሰር ጎንግ ዌቢን ተፈራሪሞምዎ።

እቲ ስምምዕነት ናብ ስራሕ እንትእቶ÷ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብስልጠና፣ ብምርምር ከምኡ እውን ካብ ልዝብ ዓቕሚ ዝሃንፅ ሓገዝ ከምዝርከብ ትፅቢት ይግበር፡፡

ርእሰ ኣካዳሚ  ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ ዛዲግ ኣብርሃ÷ ድሕሪ ዝተገበሩ ብዙሓት ልዝባት ሎሚ ኣብ ስምምዕ ምብፅሑ ገሊፆም።

እቲ ስምምዕነት  እቲ ኣካዳሚ መራሕቲንምብቃዕ እናወገኖ ዝርከብ ስራሕ ከምዝሕግዝ ብምግላፅ፤ እቲ ስምምዕነት ኣብ ጫፍ ንኽበፅሕ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም ክብል ኢዜአ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም