ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ ትልሚ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ንምዕዋት ማእኸላት ዳታ ንምጥንኻር ይስራሕ ኣሎ - በለጠ ሞላ (ዶ/ር)


ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/28/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ ትልሚ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ንምዕዋት ማእኸላት ዳታ ንምጥንኻር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (/) ገሊፆም።

ማእኸላት ዳታ ብምጥንኻር ኣብ ዕቤት ፋይናንስ ሴክተርን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ንምውዓል ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ኣብቲ መድረኽ÷ ዲጂታል ኢትዮጵያ ንስግግር ኢኮኖሚ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ማእኸላት ዳታ ናብ ስራ ከምዘእተወ ተዛሪቦም፡፡

 ዊንጉ ኣፍሪካ ዝተብሃለ ዘፈር ውልቀ ብምስታፍ ኣብ ይሲቲ ፓርክ ኢንቨስት ከምዝገበረ ዝፀርሑ ሚኒስትር በለጠ

በዚ መዳይ ዘፈር ውልቀ ብምስታፍ ዝተጠናከረን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ልምዓት ማእኸል ዳታ ትኹረት ከምዝተውሃቦ ኣብሪሆም።

ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ኣብቲ ዓውዲ ስራሕ ዝጀመረ ዊንጉ ኣፍሪካ ዳይሬክተር ኢትዮጵያ ተሾመ ወርቁ ምንቅስቓስ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምሕጋዝን እታ ሃገር ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መሪሕነት ዲጂታል ምጥንኻርን እናተሰርሑ ከምዝኾነ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም