ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ኣብ ዘዕብዩን ስነ-ምህዳር ስታርትኣፕ ኣብ ዘስፍሑን ንጥፈታት ምኽክር ተሳሊጡ


 

አዲስ አበባ/ጥቅምቲ/27/2016/ኢዜአ/ ሚኒስትር ስራሕን ኽእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ምስ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘትየን።

ኣብቲ ዘተ 'ውን ኣብ ልምዓት ክእለትን ቴክኖሎጅን፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ከምኡ 'ውን ኣብ ድሕንነትን ጥዕናን ሞያ ዙርያ ካብ ንገብሮም ሓባራዊ ፃዕርትታት ሓሊፉ ተረባሕነት  ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ኣብ ዘዕብዩን ስነ-ምህዳር ስታርትኣፕ ኣብ ዘስፍሑን ንጥፈታት ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ በፂሕና ኢለን።

ብፍላይ ስርዓት ዕዳጋ ስራሕ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ሃፍቲ ብምዃኑ ድሕንነቱ ዝተሓለወን ዘተኣማምንን ኾይኑ ብዝበለፀ ተበፃሒ ንክኸውን፤ ስምሪት ስራሕ ወፃኢ ሃገር ንኽሳለጥ ኢትዮ ቴሌኮም ኣድላዪ ነገር ኩሉ ከምዝገብር ኣረጋጊፀናልና ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ገሊፀን  ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም