ኣብ ማራቶን ሹዙ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ማራቶን ሹዙ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/26/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ቻይና ሹዙ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ብክልቲኡ ፆታ ዓወት ቀኒዑዎም፡፡
ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት መልካ ደርቤ ነቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 14 ደቒቕን 23 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ቀዳማይ ክኸውን ክኢሉ፡፡
ብተመሳሳሊ ኣትሌት ደራርቱ ሃይሉ ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ርሕቐ 2 ሰዓት 27ደቒቕን 47 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ተዓዊታ፡፡
እታ ኣትሌት ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ቦታ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ክተመሓይሽ ምኽኣላ እውን ፒፕልስ ዴይሊ ኦንላይን ፀብፂቡ፡፡
ኣትሌት ታምራት ቶላ ውድድር ማራቶን ኒው ዮርክ እዚ ዓመት ስዒሩ
ብካልእ ዜና ኣትሌት ታምራት ቶላ ውድድር ማራቶን ኒው ዮርክ እዚ ዓመት ብዓወት ዛዚሙ።
ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ካልአይቲ ብምውፃእ ዛዚማ።
ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታምራት ቶላ 2:04:58 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳማይ እንትዕወት፤ ኬኒያዊ ኣትሌት ኣልበርት ኮሪሪ 2:06:57 ብዝኾነ ሰዓት ካልኣይ ወፂኡ።
ካሊእ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሹራ ቂጣታ 2:07:11 ብዝኾነ ሰዓት ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።
ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ካልአይቲ ብምውፃእ ዛዚማ።
ኬኒያዊቷ ኣትሌት ሄለን ኢቢሪ 2:27:23 ብዝኾነ ሰዓት እቲ ውድድር ተዓዊታ።