ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ዋልያ) ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ዝገብሩዎም ናይ ሜዳ ፀወታታት ኣብ ሞሮኮ ከካይዱ ኢዮም

 

ኣዲስ ኣበባ / ጥቅምቲ/23/ 2016 /ኢዜአ/ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ዋልያ) ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ዝገብሩዎም ክልተ ናይ ሜዳ ፀወታኣ ኣብ ሞሮኮ ከምተካይድ ተገሊፁ።

ፈላማይ ፀወታ ምስ ሴራሊዮን 5 ሕዳር 2016 .ምን ካልኣይ ፀወታ ድማ ምስ ቡርኪና ፋሶ 11 ሕዳር 2016 . ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

በዚ ድማ ክልቲኦም ናይ መፃረዪ ፀወታታት ኣብ ሞሮኮ ከተማ ኣል ጀዲዳ ዘርከብ ስታዲየም ኤል ኣብዲ ከምዝካየዱ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም