ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ዋልያ) ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ዝገብሩዎም ናይ ሜዳ ፀወታታት ኣብ ሞሮኮ ከካይዱ ኢዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ዋልያ) ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ዝገብሩዎም ናይ ሜዳ ፀወታታት ኣብ ሞሮኮ ከካይዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ / ጥቅምቲ/23/ 2016 /ኢዜአ/ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ (ዋልያ) ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ዝገብሩዎም ክልተ ናይ ሜዳ ፀወታኣ ኣብ ሞሮኮ ከምተካይድ ተገሊፁ።
ፈላማይ ፀወታ ምስ ሴራሊዮን 5 ሕዳር 2016 ዓ.ምን ካልኣይ ፀወታ ድማ ምስ ቡርኪና ፋሶ 11 ሕዳር 2016 ዓ.ም ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡
በዚ ድማ ክልቲኦም ናይ መፃረዪ ፀወታታት ኣብ ሞሮኮ ከተማ ኣል ጀዲዳ ዘርከብ ስታዲየም ኤል ኣብዲ ከምዝካየዱ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።