ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይሌ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ዋልያ ገይሩ ከምዝሾመ ኣፍሊጡ።

 

አዲስ አበባ/ጥቅምቲ/23/2016/ኢዜአ/ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይሌ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ዋልያ ገይሩ ከምዝሾመ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣሰልጣኒ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ተነሓናሒ ዝኾነ መድሕን ኢትዮጵያ እናሰልጠኑ ክሳብ 30 ሰነ ዘፅንሖም ውዕሊ ኣለዎም፤ ብምዃኑ 'ውን ነቲ ክለብ እናሰልጠኑ ጎናጎኒ ንዋልያታት ንምስልጣን ከምዝተስማዕምዑ ሎሚ ኣብ ዝተውሃበ መግለፂ ተረጋጊፁ።

"ዳግማይ ናብ ብሄራዊ ጉጅለ ተመሊሰ፤ ካብ ተፃዋታይነት ክሳብ ኣሰልጣናይነት ሓዱሽ ኣይኾንኩን፤ እዚ ሓላፍነት እንትወሃበኒ ንክለበይን ነቲ ብሄራዊ ጉጅለ 'ውን ንኸሰልጥን 'ዩ፣ ብመሰረት እቲ ዘሎ ፕሮግራም ብምልመላ ተፃወትቲ ናብ ስራሕ ክንኣትው ኢና ንመፃረዪ ዋንጫ ዓለም ክንዳለው ኢና" ብምባል ኣብቲ መግለፂ ተዛሪቦም።

ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሎማዓንቲ ኣኼባ እቲ ብሄራዊ ጉጅለ ከምዘፍልጡ ዝገለፁ እንትኸውን ንምሕዝነታዊ ፀወታ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ብምግባር ናብ ሞሮኮ ንምኻድ ምትላሞም ኣፍሊጦም። ኣብ ውሽጢ ሓፂር ግዜ ለውጢ ንምምፃእ እንተዘይተኻእለ 'ውን ተተካእቲ ተፃወትቲ ንምፍራይ ከምዝሰርሑ ቓል ኣትዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም