ኢትዮጵያ ETRSS-02 ብዝብል ስያመ ዝተውሃባ ሳልሰይቲ ሳተላይት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓማውቲ ንምውንጫፍ ኣብ ምድላው ከምዘላ እቲ ኢንስቲትዩት ሓቢሩ።


 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥቅምቲ/23/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ETRSS-02 ብዝብል ስያመ ዝተውሃባ ሳልሰይቲ ሳተላይት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓማውቲ ንምውንጫፍ ኣብ ምድላው ከምዘላ እቲ ኢንስቲትዩት ሓቢሩ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣብዲሳ ይልማ መንግስቲ ምውንጫፍ ሳልሰይቲ ሳተላይት ዝጠመተ መፅናዕቲ ፋይናንስን ኢኮኖሚን ምግባሩ ገሊፆም።

ጨረታ እታ ሳተላይት ዝምልከት ሓበሬታ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ዕድጊት ኤሌክትሮኒክስ ንክኣቲ ከምዝተገበረን ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ዓለም ለኸ ጨረታ ከምዝወፅእ ተዛሪቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኢትዮጵያ ናብ ህዋ ዘወንጨፈተን ሳተላይታት ልኡኸን ብዕውት ኩነታት ምዝዛመን ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን ገሊፁ።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም